ማሕበር ገዛና፦ ኣብ ምውህሃድ ኤርትራውያን ተቐመጥቲ ካንቶን ቮ (Canton de Vaud) ዝነጥፍ ማሕበር ኮይኑ፡ ብኤርትራውያን ተሓጋገዝቲ ዝቆመ እዩ።
ዕላማ ማሕበር ገዛና ፦ ሓደ ኣፍራይ ውጥን ሰሪዕካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘሎ ዘይ ጽቡቕ ኣረኣእያ ንምልዋጥ እዩ።
እዚ ማሕበር እዚ ብብዙሕ ናይ ምውህሃድ መገድታት ንኤርትራውያን ኣብ ምውህሃድ ይሕግዝ። ብተወሳኺ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ምውህሃድ ኤርትራውያን ጠቃሚ መወከስን ተወካሊ ኤርትራውያን ንምዃን ዕሊሙ ዝተበገሰ ማሕበር እዩ።
እንመን እዮም ገዛና፦ ማሕበር ገዛና ብኣርባዕተ(4) ኣካላት ዝቆመ ኮይኑ፣ ዝተኣኻኸቡ ህዝቢ (l’assemblée générale), ኮሜተን (le comité), ኣማኸርቲ ኣካላትን (le conseil consultatif) ተቆጻጻሪ ኣካላትን ( l’organe de contrôle des comptes) ከኣ ይበሃሉ። ኣባላት ገዛና ዝተፈላኣለየ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ብዙሕ ተምሞክሮታትን ሜላታትን ዝፈልጡን ኮይኖም ንሓደ ዕይነት ድልየዝ ወይ ዕላማ (ምውህሃድ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ) ዝሰርሑ እዮም። እዚ ውጥን ገዛና ተግባራዊ ንምግባር ከኣ ምቶም ኣብ መስርሕ ዕቑባ ምሕታት ዝሰርሑ ዘለዉ ማሕበራት ዝምድና ወይ ርክብ ዝተመስረተ እዩ። እዞም ማሕበራት ከኣ (JAD-R), (EVAM), (CSIR), (OSEO) et (OSAR) ዝኣመሰሉ እዮም።