ቅዋም-ገዛና

ገዛና

ማሕበር ገዛና፦ ኣብ ምውህሃድ ኤርትራውያን ተቐመጥቲ  ካንቶን ቮ (Canton de Vaud) ዝነጥፍ ማሕበር ኮይኑ፡ ብኤርትራውያን ተሓጋገዝቲ ዝቆመ እዩ። 

ዕላማ ማሕበር ገዛና ፦ ሓደ ኣፍራይ ውጥን ሰሪዕካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘሎ ዘይ ጽቡቕ ኣረኣእያ ንምልዋጥ እዩ።

እዚ ማሕበር እዚ ብብዙሕ ናይ ምውህሃድ መገድታት ንኤርትራውያን ኣብ ምውህሃድ ይሕግዝ። ብተወሳኺ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ምውህሃድ ኤርትራውያን ጠቃሚ መወከስን ተወካሊ ኤርትራውያን ንምዃን ዕሊሙ ዝተበገሰ ማሕበር እዩ።

እንመን እዮም ገዛና፦ ማሕበር ገዛና ብኣርባዕተ(4) ኣካላት ዝቆመ ኮይኑ፣ ዝተኣኻኸቡ ህዝቢ (l’assemblée générale), ኮሜተን (le comité), ኣማኸርቲ ኣካላትን (le conseil consultatif) ተቆጻጻሪ ኣካላትን ( l’organe de contrôle des comptes) ከኣ ይበሃሉ። ኣባላት ገዛና ዝተፈላኣለየ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ብዙሕ ተምሞክሮታትን ሜላታትን ዝፈልጡን ኮይኖም ንሓደ ዕይነት ድልየዝ ወይ ዕላማ (ምውህሃድ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ) ዝሰርሑ እዮም። እዚ ውጥን ገዛና ተግባራዊ ንምግባር ከኣ ምቶም ኣብ መስርሕ ዕቑባ ምሕታት ዝሰርሑ ዘለዉ ማሕበራት ዝምድና ወይ ርክብ ዝተመስረተ እዩ። እዞም ማሕበራት ከኣ (JAD-R),  (EVAM), (CSIR), (OSEO) et (OSAR) ዝኣመሰሉ እዮም።

ንጥፈታት​ ስደተኛታት (ወጻእተኛታት)

ብሰንኪ እቲ ዘለዎ ዋሕዲ ግቡእ ዝኾነ ኣፍልጦ፡ ኣብ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ሃገረ ስዊዝ ኣብ ምውህሃዶም ክዕንወፍን ክድንጉን ይኽእል። ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ከኣ እዞም ቀዋሚ አማሓደርቲ፡ ኣብ ብዙሕ ዘደናግሩን ንምርድኦም ዘሸግሩን ነገራት ሓበሬታ ንምሃብን ዘድሊ ካልኦት ሓገዛትን እንዳገበርካ ንስደተኛታት ብምብርታዕን ርእሶም ክኽእሉ ደገፍ ንምሃብን  ዓሊሙ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።

ገለ ካብቶም ኣብዚ ማሕበር ዝድህሰሱ ጉዳያት ማሕበርዊ መድሕን (les assurances sociales), ግብሪ (les impôts) , መንበሪ ቤት (le logement), ናይ ስራህ ኣፍደገ ምኽፋትን (l’accès au travail) ካልኦትን እዮም።

ቀወምቲ ኣመሓደርቲ ዝርከብሉ ግዜን ቦታን  ሶሉስ ናይ ምሸት ካብ 15፡00 ክሳብ 19፡00

ኣድራሻ Point d’Appui (Rue Saint-Martin 36, 1005 Lausanne) ዝያዳ ንምርድዳእ፡  ትግርኛ ዝትርጉም ሰብ ኣሎ።

ርክብ

ዕላማና ገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝጸንሐ ምስሊ ኣሊኻ ማሕበረ ሰብ ስዊዝ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎም ኣረኣእያ ንምልዋጥ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ዝዝርርብን ርክብን ኣወንታዊ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ምዕሩይ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ማለት ካብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ነጻ ዝኮነ እዩ።

ናይ ገዛን ዝርርብን ርክብን ዝወሃበሉ ሓበሬታ ብቐጥታን ወረቐትን ዝተሰነየ እዩ።

  • ኣብ ገጻት ኢንተርነት (Site internet)
  • ኣብ ገጻር ፈይስቡክ (Page Facebook)
  • ፈነወ ዜና (Communiqué de presse)
  • ናይ ሓበሬታ ወረቃቅቲ (Flyers et affiches)

ምድላው መደባት

ስፖርታዊ ንጥፈታት

ገዛና ብዙሕ ዝዓይነቱ ስፖርታዊ ንጥፈታት የዳሉ እዩ። ስፖርታዊ ወይ ኣካላዊ ንጥፈታት ንምውህሃድን ንምምዕባል ሓባራዊ ናብራ ይሕግዝ። ብተወሳኺውን ኣብ ኣካልውን ፣ ኣእምራውን መዳይ ጥዕና  ዓቢ ተራ ይጻወት።  ንዓና ንምድጋፍ ንገዛን ብገንዘባዊ መዳይ ንምሕጋዝ ናይ ኣባልነት ወረቀት

Compte BCV

IBAN : CH12 0076 7000 E544 6881 3

ዓውደ መጽናዕቲ (Workshop) ናይ ዝርርብን መድብ ምልውዋጥ ፍልጠትን።

ብተወሳኺ ቀወምቲ ኣማሓደርትን መራኸቢ ብዙሓንን፣ ገዛና ዝተፈላለዩ ኣርእስትታትን  ዓውደ መጽናዕቲን ኣዳልዩ ይዛረብን ናይ ምዝርራብ መድረኻት ይኸፍት። ንኣብነት መጽናዕቲ ናይ ንግዲ፣ ኣባይቲ፣ ንቕሓት ኣብ ዶሞክራስያዊ ሕጊ፣ ማዕርነት ሰባኣይን ሰበይትን፣ ስራሕን ስድራቤት፣ ውጥን ስድራቤትን ካልእን እዮም።

እዞም ዝወሃቡ ዓውደ መጽናዕትን ሓበሬታትን ንተሳተፍቲ ኣብ ማሕበራው፣ ህሉው ዛዕባታት ክዘራረቡ የኽእሎም። ብተወሳኺ ከባቢኻ ክርዳእን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ሓይሊ ምጥራይን ፍልጠት ክትለዋወጥን የኽእለካ። እዚ ብምግባር ከኣገዛእ ርእስኻ ውን ተሳታፊ ናይ ዘለኻዮ ሕብረተሰብ ንምዃን ይሕግዘካ።

ናይ ግምገማ ዝሓዘ ወረቐት ውን ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ዓውደ መጽናዕቲ ንተሳተፍቲ ይዕደል።

እዚ ግምገማ ኣብ ነዊሕ ግዜ ኣየናይ እዩ እቲ ኣዝዩ ተደላዩ ክንዘራረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ንምፍላጥን ግብረ መልሲ ናይ ተሳተፍቲ ንምፍላጥን ይሕገዝ።

ንኽትረኽቡና

Le Point d'Appui
Rue Saint-Martin 36
1005 Lausanne

Gezana

Le Point d’Appui

Rue Saint-Martin 36

1005 Lausanne

Retour en haut